Mölndal

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሞልንዳል ብተፈጥሮን ብባህልን ሃብታም እያ። ብጽቡቕ ዝተሃንጸ ኣገልግሎትን መራኸቢታትን፡ ከምኡ’ውን ቀረብ ናይ እተፈላለየ መዘናግዕን ንግድን ኣሎዋ። ኣብ ሞልንዳል ንኹሉ ጽፍሒ ዕድመ ዝኸውን ነገራት ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ዝተወልዐ መንጫዕጫዕታ፣ ሊላ ጎታፎሽን ናይ ሕጡብ ህንጻታት መጥሓንን።

ናይ ሞልንዳል ሓጺር ቅርበት ናብ ጐረቤታ ዝኾነት ኮሙን ዮተቦሪ፡ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ጥራይ ንእትህቦ ንጥፈታት ንምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

መብዛሕትኦም ተቐመጥቲ ሞልንዳል ኣብ ከተማ ሞልንዳል፡ ኮላረድን ሊንዱመንን እዮም ዚቕመጡ። ዳርጋ ክልተ ሲሶ ናይቲ መንበሪ ኣባይቲ፡ ነኣሽቱ ገዛውትን ኮንዶሚንዩምን እዩ። ሓደ ሲሶ ጥራይ እዩ ዚካረ ገዛውቲ። ውሑድ ሓድሽ ዝስራሕ ገዛውቲ ምስቲ ሞልንዳል ንኽትቅመጣ ጽብቕቲ ምዃና ተሓዊሱ ጥርሑ መንበሪ ኣባይቲ ተደለይቲ ይገብሮም። መብዛሕትኦም ኣብ ሞልንዳል ዚሰርሑ ሰባት፡ ካብ ካልኦት ኮሙናት ዝመላለሱ እዮም።

መንበሪ ህንጻ ብዙሓት ስድራን ውሑዳት ኣብ ጽሓይ ቡን ዝሰትዩ ሰባትን ዘለዎው ኣደባባይ።

ናይ ሞልንዳል ዝዓበያ ክራይ ኣባይቲ ሞልንዳልቡስቴደር (Mölndalsbostäder) ከምኡ'ውን ፎርቡ (Förbo) እየን። ሞልንዳልስቡስታደር ኣባል ናይቲ ኣብ ብዙሓት ኮምዩናት ከባቢ ዮተቦሪ መንበሪ ኣባይቲ ዘራኽብ ቡፕላትስ ዮተቦሪ (Boplats Göteborg) እዩ። ሞልንዳል ግን ናታ መራኸብቲ ኣባይቲ የብላን። ሪጋ ንምሓዝ ከመይ ከም ትገብር ንምፍላጥ ባዕልካ ምስቶም ወነንቲ ኣባይትን ኣካረይትን ርክብ ክትገብር ኣሎካ። ኣድራሻታት ብመገዲ ኤኒሮ (Eniro) ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዘይካ ቋንቋታት ስካንዲነቭያንን ካልኦት ዓበይቲ ኤውሮጳዊ ቋንቋታትን፡ እቶም ብብዝሒ ዚዝረቡ ቋንቋታት ሶራኒ፡ ዓረብኛ፡ ዳሪ፡ ፋርስኛን ሶማልኛን እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሞልንዳል ብዛዕብኣን ብመገዲ ናይ ሞልንዳል ናይ ማሕበራት መዝገብ ሓበሬታ ክትረኽበለን ትኽእል ኣስታት 300 ማሕበራት ኣለዋ። ቍጽሪ ናይ ወጻእተኛታት ማሕበር ውሑድ እዩ፡ ግን እተኦም ዝዓበዩ ናይ ወጻእተኛታት ጕጅለታት ኣብ ዮተቦሪ ናይ ማሕበራት ንጥፈታት ኣለዎም። ከምኡ'ውን ኣብ ዮተቦሪ ብዙሓት ምስ እምነት እተተሓሓዛ ማሕበራትን ማሕበራት እምነትን ተወኪለን ኣለዋ።

ብዙሓት ተዓዘብቲ ቈልዑ ኣብ ደገ ናይ ቈልዑ ትያትር ይርእዩ ኣሎዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ጥቓ ሞልንዳል ሰንትሩም ቤትጽሕፈት ማሕበረሰብን ቤትጽሕፈት ዕዮን ይርከብ። ምስ ትካል መድህንን ቤትጽሕፈት ቀረጽን ብኣካል ክትረኸብ ምስ እትደሊ ናብ ዮተቦሪ ኪድ። ኣብ መልንዳል ሓበሬታ ስደተኛታት/ናይ ቋንቋ ዓርኪ ከምኡ ውን ናይ ቋንቋ ካፌ ሽወደናውያን፣ ሓደስቲ መጻእቲ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ንምርኻብ ይሕግዝ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ቈልዑን ወለድን ኣብ ሓደ መጻወቲ ቦታ ይዛረቡን ይጻወቱን ኣሎዉ።

ነቶም ናብ ባህሊ ዚግደሱ ሓያሎ ኣብያተንባብ፡ ኩልቱር ሁሰት ሞላን ምስ ሲነማን ሞልንዳል ቤተመዝክርን ከምኡውን ብግዜ ሓጋይ ትያትር ዚስርሓሉ ጉነቡ ግንቢ ኣሎ። ስፖርት ክትርኢ ወይ ክትሳተፍ ምስ እትደሊ ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ናይ ስፖርት መሳለጥያታት ኣሎ። መብዛሕትኡ ኣብቲ ናይ ኦቢ ከተማ ዞና ይርከብ። ኣብኡ ናይ ምውስዋስን መሐበስን ቦታታት ኣሎ። ኣብ ሞልንዳል ነቶም ደጋዊ ዙረት ዚፈትዉ ብዙሕ ቦታታት ኣሎ።

ውሑዳት ሰባት ኣብ ቤት ንባብ ናይ ሞልንዳል ጋዜጣ የንብቡ ኣሎዉ።

ነቶም ናብ ባህሊ ዚግደሱ ሓያሎ ኣብያተንባብ፣ ባህላዊ ማእከል መላን ምስ ሲነማ፣ መልንዳል ቤተመዝክርን ከምኡውን ብግዜ ሓጋይ ትያትር ዚስርሓሉ ጉነቡ ህንጻ ኣሎ። ስፖርት ክትርኢ ወይ ክትሳተፍ ምስ እትደሊ ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ናይ ስፖርት መሳለጥያታት ኣሎ። መብዛሕትኡ ኣብቲ ናይ ኦቢ ከተማ ዞና ይርከብ። ኣብኡ ናይ ምውስዋስን መሐበስን ቦታታት ኣሎ። ኣብ ሞልንዳል ነቶም ደጋዊ ዙረት ዚፈትዉ ብዙሕ ቦታታት ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኩሉ ብዛዕባ ኮሙናላውን ብሕታውን ሓልዮት ቈልዑ ክትፈልጦ ዘድልየካ ኣብቲ ናይ ከተማ ሞልንዳል መርበብ ሓበሬታ Förskola och barnomsorg och Familjedaghem, dagbarnvårdare ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ብዛዕባ ኮሙናውያን ኣብያተትምህርቲ ኣብቲ ናይ ከተማ ሞልንዳል ወብሳይት መባእታ ኣብያተትምህርቲ ከምኡውን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ክትረኽቦ ትኽእል። ኣብ ማእከል ሞልንዳል፡ ሞንተሶሪስኩላን ክቫርዩለት ብሕታዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ንትምህርታዊ ዓመት F-9 ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኮሙናዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ ብእተፈላለየ መልክዕ ይወሃብ፡ ንኣብነት ሽወደን ንወጻእተኛታት። ዝለዓለ ትምህርቲ ምስ እትደሊ ናብ ዮተቦሪ ወይ ቡሮስ ኪድ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሞልንዳል ናይ ሞንዳል ሆስፒታል ኣሎ። ንሱ ክፋል ናይቲ ሳህልግረንስካ ዩኒቭርሲታዊ ሆስፒታል (SU)እዩ። SU ነቶም ተቐማጦ ከባቢ ዮተቦርይ ዘገልግል ናይ ወረዳ ሆስፒታል እዩ። ንሱ ኣብ መዲሲንን ስነ-ኣእምሮን እዩ ዚነጥፍ። SU ንንግስቲ ሲልቭያ ናይ ህጻናትን መንእሰያትን ሆስፒታል ይጥርንፍ። ንህጹጽ ሕክምና ናብቲ ክፋል SU ዝኾነ ነቲ ሕማምካ ዚፍውስ ተወከስ።

ሞልንዳል ኣብ Västra Götalandsregionens offentliga primärvård, Närhälsanዘሎ እተፈለየ ሕክምናታት ኣለዋ። ኣብቲ ናታ ወብሳይት ኣቲኻ ነቲ ዘድልየካ ክፍሊ-ክንክን ድለዮ። ውሑዳት ብሕታውያን ክሊኒካትውን ኣለዋ። ክንክን ስኒ ብህዝባዊ ናይ ስኒ ክሊኒክ መልክዕን ብብሕታዊ መልክዕን ኣሎ። ነዚ ከኣ ኣብ eniro.se ትረኽቦ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ገለ ምስ ሞልንዳል ከተማ ዚሰርሑ ትካላት ምስ እትራኸብ እንታይ ይብሃልን ይጸሓፍን ከም ዘሎ ንኽትፈልጥ መሰል ኣሎካ። ነዚ ድማ ተርጓማይ የድሊ። ናይ ምስማዕን ምዝራብን ስንክልና ምስ ዚህልወካውን ከይተረፈ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ቨስትራፊክ ነቲ ናይ መላእ ዮታላንድ ሓባራዊ ጕዕዞ የካይዶ። ሞልንዳል ኣብ ውሽጢ ከተማን ኣብተን ናይ ከባቢ ኮምዩናትን ኣብ ኩላ ሃገርን ዘገልግል ግሩም ናይ ጕዕዞ መስመራት ኣለዋ። ናይ ሞልንዳል መነሃርያ ንኣውቶቡሳትን ንናይ ከተማ ባቡራትን ፐንደልቶግን ማእከላይ ነቝጣ እዩ። እቲ ንደቡብ ናብ ኮፐንሃገን ዚኸይድ ባቡር ኣብኡ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ ደው ይብል።

ድልድል ናይ ሞልንዳል፡ መራኸቢ ነቑጣ ናብ ህዝባዊ መጐዓዝያ ኣብ ሞልንዳል።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ናይ ከተማ ሞልንዳል ወብሳይት፡ ኣብ ትሕቲ ሰብ ዋኒን ዚብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ሞልንዳል ዋኒን ንምጅማር እንታይ ከም ዘድየካ ሓበሬታ ኣሎ። ከተማ ሞልንዳልዓባይ ወሃቢት ስራሕ እያ። 5000 ሰራሕተኛታት ኣለዉዋ። ብመገዲ Volontär i Mölndalጌርካ ምስቶም ሰብዋኒን ብወለንታኻ ክትራኸብ ትኽእል።

ናይቲ ኮሙን ኢንዱስትሪን ንግድን ኩባንያን